ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኢ ቢ ኤስ ቴሌቪዥን ፕሮግራም ‘ኣዲስ ምዕራፍ” ምምሕዳራዊ ስጉምቲ ከምዝወሰደ ኣፍሊጡ።
እቲ በዓል መዚ፥ እቲ ፕሮግራም 14 መጋቢት መጋቢት 2017 ዓ.ም ዝወዘዖ ፕሮግራም ብመንፅር ኣዋጅ መራኸብቲ ሓፋሽን ሕጊታት እቲ ዓውዲን ከምዝተገምገመ ገሊፁ።
ብመሰረት እዚ በቲ ጣቢያ ዝቐረበ ስኑዕ ሓበሬታ፥ ህዝቢ ዘሰሓሕትን ጥርጣረ ዝፈጥርን፣ ኣዋጅ መራኸብቲ ሓፋሽ 1238/2013፣ ናይ ፅልኣት ዘረባን ስኑዕ ሓበሬታን ንምክልኻልን ምቁፅፃርን ዝወፅአ ኣዋጅ 1185/2012 ከምኡውን ስነ ምግባር ሙያ ጋዜጠኝነት፣ ስሩዕ ኣሰራርሓ ጋዜጠኝነትን ዝጥሕስ ኣሰራርሓ ፓራጆርናሊዝም ዝተኸተለ ኮይኑ ተረኺቡ ኢሉ።
እቲ ጣቢያ ኣብ ክሊ እቲ ፕሮግራም ተሓቲቱ ነቲ በዓል መዚ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ እቲ ዝወዘዖ ፕሮግራም ስኑዕ ከምዝኾነን ገይጋ ከምዝፈፀመን ምርግጋፁ እቲ በዓል መዚ ኣብ ዘውፀኦ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
እቲ በዓል መዚ ነቲ ጉዳይ መርሚሩ በቲ ጣቢያ ዝውዛዕ “ኣዲስ ምዕራፍ” ዝተብሃለ ፕሮግራም ብኣሰራርሓ ኤዲቶሪያል ኣድላዪ ስጉምቲ ብምውሳድ ነቲ በዓል መዚ ንከፍልጥን ውሳነ ክሳብ ዝወሃብ እቲ ፕሮግራም ክብ ፈነወ ተገዲቡ ንክፀንሕ ከምዝተወሰነን መጠንቀቕታ ፅሑፍ ዝተውሃበ ከምዝኾነን ገሊፁ።