ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኣሽከርከርቲን ተሽከርከርቲን ብዝተገበረ ቁፅፅር ትራፊክ ፀገም ድሕንነት ትራፊክ ከምዝስተውዓል ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣፍሊጡ፡፡
ሚኒስትር ዲኤታ ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን በርኦ ሃሰን ከምዝገለፁዎ÷ ኣብ ዝሓፉ 9 መዓልቲታት ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከተማታት ሸገርን ብዝተገበረ ክትትል ኣብ ልዕሊ ኣሽከርከርቲን ተሽከርከርቲን ብዙሓት ጉድለታት ተረኺቦም፡፡
በዚ ድማ ኩነታት ብቕዓት ቴክኒክ ተሽከርካሪ ዘየማልኡ ቦሎ ዘለወን ተሽከርከርቲ ከምኡ እውን ልዕሊ ታሪፍ ዘኽፍሉን ትርፊ ዝፀዓኑን ኣሽከርከርቲ ከምዝተረኸቡ ኣልዒሎም፡፡
ሓደ ሓደ ኣሽከርከርቲ ተደራራቢ ቅፅዓት ትራፊክ ዘለዎም ከምዝኾኑ ብምሕባር÷ ኣካላት ሕጊ ኣድላዪ ምኽሪን ናይ ስጉምቲ እርማትን ከምዝተወሰደ ኣልዒሎም፡፡
ኣብ ቀፃሊ መሰል ፀገማት ንምፍታሕ ብዲጂታል ስርዓት ካብ ማእኸል ቁፅፅር ንምግባር ዘኽእል ስርዓት ንምህናፅ እናተሰርሐ ይርከብ ምባሎም ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር ኣመልኪቱ፡፡