ኣብ ልዕሊ 110 ሺሕ ዘይሕጋውያን ነጋዶ ስጉምቲ ተወሲዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሚያዝያ፣2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዓውዲ ንግዲ ብዝተወገኑ ብዙሓት ስራሕቲ ልዑል ውፅኢት ከምዝተመዝገበ ሚኒስትር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ገሊፆም።

ገምጋም ኣፈፃፅማ 9 ኣዋርሕ ሚኒስቴር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን፣ ተፀዋዕቲ ትካላት፣ ቢሮታት ልምዓት ዕዳጋን ንግዲን ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ይካየድ ኣሎ።

ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ኣብ ዓውዲ ንግዲ ብዝተወገኑ ብዙሓት ስራሕቲ ልዑል ውፅኢት ተመዝጊቡ፡፡

ብቴክኖሎጂ ብምሕጋዝ ን2 ነጥቢ 6 ሚሊየን ኣገልግሎት ደለይቲ ምዝገባ ኦንላይን ከምዝተሳለጠ ብምሕባር÷ 2 ነጥቢ 2 ሚሊየን ስራሕቲ ኢንስፔክሽን ንግዲ ፍቓድ ከምዝተሰርሐ እውን ኣልዒሎም።

ዕዳጋታት ቀዳምን ሰንበትን ብምስፋሕ ስርዓት ዕድጊት ሲሚንቶ ከምኡ እውን ካልኦት ተግባራት ብምውጋን ቀረብ ብምውሳኽ ዋጋኡ ዝተረጋገአ ንኽኸውን ከምዝሓገዘ ተዛሪቦም።

ብካሊእ መዳይ ኣብ ልዕሊ 110 ሺሕን ዘይሕጋውያን ነጋዶ ስጉምቲ ከምዝተወሰደ ብሕባር÷ ጥንኩር ስርዓት ቁፅፅር ዕድጊት ነዳዲ ብምዝርጋሕ ኣብ ዘይሕጋዊ መዕደሊ ነዳዲ ልዕሊ 100 ሚሊየን ብር ቅፅዓት ከምዝተነበረ ተዛሪቦም፡፡

Comments (0)
Add Comment