ኣብ ልዕሊ 22 ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ አትዮጵያ ስጉምቲ ተወሲዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ልዕልነት ሕጊ ንምርግጋፅን ብልሹው ኣሰራርሓን ንምፍታሕ ኣብ ዝተወገነ ስራሕ ኣብ ልዕሊ 22 ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ አትዮጵያ ምምሕዳራዊ ስጉምቲ ከምዝተወሰደ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ስጉምቲ ዝተወሰደ ካብ ዓማዊል ብዝቐረቡ ብልሹዋት ኣራርሓታትን ግዕዝይናን መሰረት ብምግባር ከምዝኾነ እቲ ትካል ንፋና ዲጂታል ገሊፆም፡፡

ብመሰረት እዚ ኣድላዪ ምፅራይ ብምግባር ሰለስተ ብፅሑፍ መጠንቀቕታን 19 ድማ ብቅፅዓት መሃያ ከምዝተቐፅዑ ኣፍሊጡ፡፡

ብካሊእ መዳይ ኣብቲ በጀት ዓመቲ አብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ኣዋርሕ 50 ሚሊየን 222 ሺሕን 987 ነጥቢ 7 ብር ዝግመት ምስራቕ ንብረትን ዕንወትን ከምዝተፈፀመ እቲ ትካል ሓቢሩ፡፡

ዝተፈፀመ ስርቂን ዕንወትን ናይ ሓይሊ ስርቂ፣ ስርቂ ትራንስፎርመር፣ ቆፃሪ ምንኽኻእ፣ ጉድኣት መስመር ኤሌክትሪክ፣ ስርቂ መሰረተ ልምዓት፣ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ከይሰርሑ ምርባሽን ስርቂ ኬብልን ዘጠቓልል ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ምስዚ ተተሓሒዙ ብሓፈሻ 163 ገበናት ብምፍፃሞም ክትትል እናተገበረ ከምዝርከብ ተሓቢሩ፡፡

ብዮሃንስ ደርበው

Comments (0)
Add Comment