ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ፀገም ዝርከቡ ዜጋታት ናይ ምምላስ ትልሚ ክሳብ 40 ሚኢታዊት ምዕዋት ከምዝተኸኣለ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ፀገም ዝርከቡ ዜጋታት ናይ ምምላስ ትልሚ ክሳብ 40 ሚኢታዊት ምስኻዕ ከምዝተኸኣለ ዝተጣየሸ ብሄራዊ ኮሚቴ ኣፍሊጡ።

16 ቤት ዕዮታት መንግስቲ ዘካተተ ብሄራዊ ኮሚቴ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ ፀገም ዘለዉ ዜጋታት ንምምላስ ኣብ ዝተገበረ ፃዕሪ ብምጥማት ዘተ ኣካይዱ።

ነቲ ኣኼባ ዝመርሕዎ ዳይሬክተር ጉዳያት ቆንስላ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ጀኔራል ኣምባሳደር ሲራጅ ረሽድ ከምዝበሉዎ፥ ክሳብ ሐዚ 111 ጊዜ ኣብ ዝተገበሩ በረራታት ልዕሊ 40 ሽሕ ዜጋታት ናብ ሃገሮም ምምላስ ተኻኢሉ እዩ።

እቶም ኣምባሳደር 102 ሽሕ ዜጋታት ንምምላስ ካብ ዝተተሓዘ ትልሚ ኣንፃራዊ ክሳብ ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 22 ሰነ ክሳኻዕ ዝተኸኣለ 40 ሚኢታዊ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኣብ ቀፃሊ እውን ዜጋታት ናብ ሃገሮም ንምምላስ ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ ዝርኣዩ ክፍታትት ብምእራም ብዝተዋደደ ኣሰራርሓ ዝተተሓዘ ትልሚ ንምዕዋት ብምትሕብባር ምንቅስቓስ ከምዘድሊ ተላዒሉ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ዝተፈላላያ ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ጸገም ዝርከቡ  ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ንምምላስ ዓርሱ ዝኸኣለ መርሃ ግብሪ ትግበራ ተዳልዩ ይስራሕ ምህላዉ ኣብቲ ዘተ ተጠቒሱ፡፡

ኣብቲ ዘተ በቲ ብሄራዊ ኮሚቴ ዝተኻተቱ ተወከልቲ ትካለት ተሳቲፎም እዮም።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment