ኣብ ብሄራዊ ምርድዳእ ዘድሀበ ፎረም ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ብሄራዊ ምርድዳእ ትኹረት ዝገበረ ፎረም ይካየድ ኣሎ፡፡

እቲ ፎረም ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ በቢወርሑ ዝሰናዳእ እንትኸውን÷ ዜጋታት ብመራኸብቲ ሓፋሽ ዴሞክራሲያዊን ናፃ ሓሳብን ንምስጓም ከይዲታት ንኸዓብዩ ዝግበረሉ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ኣብቲ ፎረም ኣፈ ጉባዔ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎን ሚኒስትር ኣማኻሪ ማሕበራዊ ጉዳያት ቀዳማይ ዲያቆን ዳንኤል ክብረትን ሓዊሱ ሓንፀፅቲ ፖሊሲ፣ ምሁራን፣ መውፃእቲ ሕጊ ከምኡ እውን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕ ተረኺቦም፡፡

ብየሻምበል ምህረት

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment