ኣብ ቬይትናም ዝተኻየደ ዕላዊ ዑደት ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ምትሕብባር ንምጥንኻር ስምምዕነት ተገይሩ – ጌዲዮን ጢሞቲዮስ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ቬትናም ዝተኻየደ ዕላዊ ዑደት ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ፣ ኢኮኖሚ፣ ንግድን ኢንቨስትመንት ርክበን ንምጥንኻር ዝኽግዙ ስምምዕነት ምክያዶም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዮስ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡
እቶም ሚኒስተር ኣብ ቬይትናም ኣብ ዝተኻየደ ዕላዊ ዑደት ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ÷ ኢትዮጵያን ቬይትናም 50 ዓመታት ዘቑፀረ ዝምድና ዘለወን ሃገራት ምዃኑ ብምዝካር፤ መራሒ ኢትዮጵያ ምስ ልኡኹ ዑደት እንትገብር እዙይ ንፈለማ እዋን እዩ ኢሎም፡፡
እቲ ዑደት መራሕቲ ኣብ ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ንምዝታይ፣ ዝተፈላለዩ ስምምዓት ንምፍራምን ቀፃሊ ርክበን ዝያዳ ንምጥንኻር እንታይ ዓይነት ኣካይዳ ምስዓብ ከምዝግባእ ንምዝታይ ዕድል ፈጢሩ ክብሉ ወሲኾም ገሊፆም፡፡
ብዮናስ ጌትነት
ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment