ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)አይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ትግራይ ዘሎ ድሌት ሰላምን ለውጢን ከይኹለፍ ዝግበር ቃልሲ ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡
ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ ንክልተ ዓመት ኣብ ጊዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝነበሮም ናይ ፕሬዚዳንትነት ሓላፍነት ብዕሊ ከምዘረከቡ ገሊፆም፡፡
“ህዝቢ ትግራይን ደገፍትን ንዝሃብኩምኒ ድጋፍን ንዘርአኹምኩኒ ክብርን ልዑል ናእዳ ኣለኒ” ኢሎም፡፡
“ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝነብር ህዝብና ናብ ንቡር ዝምለሰሉ ኩነታት ክፍጠር፣ ህዝቢ ትግራይ ንምግልጋልን ኩለመዳያዊ ባህግታቱ ንክሰምሩን ዝክኣለኒ ኹሉ ክገብር እየ” ክብሉ ኣፍሊጦም፡፡
ድሌት ሰላምን ለውጢን ትግራይ ከይኹለፍ ዝግበር ቃልሲ ተጠናኺሩ ንኽቕፅል እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡