ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሎሚ ምሸት ቀዳማይ ዙር ፀወታታት ኣውዲቕካ ምሕላፍ ቻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ቀፂሎም ዝካየዱ እንትኾኑ ፒኤስጂ ምስ ሊቨርፑል ዝገበረኦ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ፡፡
ብኣሰልጣኒ ኣርነ ስሎት እናተመርሐት ብቐጥታ ናብ 16 ዝተፀምበረት እንግሊዛዊት ጋንታ ሊቨርፑል ናብ ፓሪስ ኣምሪሓ ምስ ፈረንሳዊት ጋንተታ ፒኤስጂ ኣብ ስታዲየም ፓርክ ደ ፕሪንስ ምሸት ሰዓት 5 ክትራኸብ ኢያ፡፡
ብተመሳሳሊ ምሸት ሰዓት 5 ክልቲአን ጋንታታት ጀርመን ባየር ሙኒክን ባየር ሊቨርኩሰንን ኣብ ኣብ ኣሊያንዝ ኣሬና እንትራኸባ ካታላዊት ጋንታ ባርሴሎና ናብ ፖርቹጋል ብምምራሕ ምስ ቤኔፊካ ፀወታኣ ክትገብር ኢያ፡፡
ቅድሚ እዞም ፀወታታት ምሸት ሰዓት 2፡45 ኔዘርላንዳዊት ጋንታ ፌይኖርድ ኣብ ሜዳኣ ንጣልያናዊት ጋንታ ኢንተርሚላን ክተተኣናግድ ኢያ፡፡
ትማሊ ምሸት ኣብ ዝተገበሩ ፀወታታት ቻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ÷ ሪያል ማድሪድ ኣብ ሜዳኣ ሳንቲያጎ ቤርናባው ንናይ ከተማ ተናሓናሒታ ኣትሌቲኮ ማድሪድ 2 ን 1 ስዒራ፡፡
ናብ ኔዘርላንድ ዘምረሐት እንግሊዛዊት ጋንታ ኣርሰናል ንፒኤስቪ ልዕሊ ፍርቂ ደርዘን ሸቶታት ብምምዝጋብ 7 ን 1 ብዝኾነ ሰፊሕ ውፅኢት ክትስዕር ክኢላ፡፡