ኣብ ናንጂንግ ኣብ ዝካየድ ሻምፒዮና ውሽጢ ገዛ ዓለም 14 ኢትዮጵያዊያን ክሳተፉ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ቻይና ናንጂንግ ኣብ ዝካየድ ሻምፒዮና ውሽጢ ገዛ ዓለም ንኢትዮጵያ ዝውክሉ 14 ኣትሌታት ክሳተፉ ኢዮም፡፡

ኣብቲ ሻምፒዮና ክልተ ግዘ በዓል ክብሪ ዝኾነ መለሰ ንብረትን ሳሙኤል ተፈራ ብደቂ ተባዕትዮ 1 ሺሕን 500 ሜትር ንኢትዮጵያ ክውክሉ ኢዮም፡፡

በሪሁ ኣረጋዊ፣ ቢኒያም መሓሪን ጌትነት ዋለን ብ3 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ተባዕትዮ ዝሳተፉ ኣትሌታት ኢዮም፡፡

ብ800 ሜትሮ ደቂ ኣንስተዮ ፅጌ ድጉማ ሓዊሱ ሃብታም ኣለሙን ንግስት ጌታቸውን ከምዝሳተፋ ተገሊፁ፡፡

ጉዳፍ ፀጋይ፣ ወርቅነሽ መሰለ ድርቤ ወልተጂን 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ንኢትዮጵያ ክውክላ ኢየን፡፡

ብ 3 ሺሕ ሜትሮ ፅገ ገብረሰላማ፣ ፍሬወይኒ ሃይሉን ብርቄ ሓየሎምን ከምዝሳተፋ ካብ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ዓለም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ሻምፒዮና ውሽጢ ገዛ ዓለም 2025 ካብ ዝቕፅል ዓርቢ ጀሚሩ ንሰለስተ ተኸታተልቲ መዓልቲታት ኣብ ቻይና ከተማ ናንጂንግ ክካየድ ኢዩ፡፡

ብሃይለማርያም ተገኝ

Comments (0)
Add Comment