ኣብ ኣዲስ ኣበባ ውፅኢት ፈተና 6ይ ክፍሊ 2015 ዓ.ም ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንፈለማ እዋን ብመሰረት ሓዱሽ ስርዓተ ትምህርቲ ዝተውሃበ ፈተና 6ይ ክፍሊ 2015 ዓ.ም ውፅኢት ዕላዊ ኮይኑ።

ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዘላለም ሙላቱ (ዶ/ር) ከምዝገለፁዎ÷ ኣብ ዘበነ ትምህርቲ 2015 ብሓፈሻ 73 ሺሕን 667 ተምሃሮ ፈተና 6ይ ክፍሊ ወሲዶም፡፡

ካብ ሞንጎ ፈተና ዝወሰዱ ተምሃሮ 80 ነጥቢ 2 ዝኾኑ 50 ሚኢታዊን ልዕሊኡን ውፅኢት ከምዘምፅኡ ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ውፅኢት እቲ ፈተና 50 ሚኢታዊን ልዕሊኡን ዘምፅኡ ተምሃሮ ናብ ዝቕፅል ክፍሊ ከምዝሓልፉ ሓቢሮም፡፡

ብመላኩ ገድፍ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment