ኣብ እዋን ፅድያ ዝናብ ዝረኽቡ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝናብ ናይ ምርካብ ዕድሎም ቀፃሊ ከምዝኸውን ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝቕፅሉ 10 መዓልቲታት ኣብ እዋን ፅድያ ዝናብ ዝረኽቡ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝናብ ናይ ምርካብ ዕድሎም ቀፃሊ ከምዝኸውን ኢንስትቲዩት ሚቲዎሮሎጂ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ኢንስትቲዩት ካብ 13 ክሳብ 22 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም ዝህሉ ትንበያ ኩነታት ኣየር ዕላዊ ኣብ ዝገበረሉ ሓበሬታ÷ ኣብ ዝቕፅሉ 10 መዓልቲታት ዝናብ ክህቡ ዝኽእሉ ዝንባለታት ሚቲዎሮሎጂ ኣብ መብዛሕተኦም ከባቢታት ተረባሕቲ እዋን ፅድያ ቀፃሊ ከምዝኸውን ኣብሪሁ፡፡

ይኹን እምበር ሓልሓሊፉ ኣብ ዘለዉ መዓልቲታት ደረቕ ኩነታት ኣየር ከምዝህሉ እውን ሓቢሩ፡፡

ብዝተትሓዘ ሓበሬታ ኣብ ደቡብ፤ ደቡብ ምዕራብ፣ ምዕራብ፣ ምብራቕ ከምኡ እውን ኣብ ሓጓፍ ሽንጥሮ ከባታት እታ ሃገር ናይ ደበና ሽፋን ክህልዎም ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ብምዃኑ ድማ ኣብ እዋን ፅድያ ዝዘርኡ ከባቢታት ብዙሕ ከባቢታት ዝሽፍን ቀሊል መጠን ዘለዎ ዝናብ ክከምዝረኽቡ ካብቲ ኢንስትቲዩት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት፡፡

Comments (0)
Add Comment