ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሚያዝያ ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ቤት ምኽሪ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንበዓል ትንሳኤ ናይ እንዃዕ ኣብፀሓኩም መልእኽቲ ሰናይ ትምኒት ኣመሓላሊፉ፡፡
እቲ ቤት ምኽሪ ዘመሓለፎ መልእኽቲ ከምዝስእብ ይቐርብ፡-
ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንመላእ ሰዓብቲ እምነት ክርስትና እንዃዕ ንበዓል ትንሳኤ እየሱስ ክርስቶስ ኣብፀሐኩም ክብል እቲ ቤት ምኽሪ ሰናይ ትምኒቱ ኣመሓላሊፉ!
እየሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ድሕነት ደቂ ሰባት ክብል መከራ ተቐቢሉ ኣብ መስቀል ተሰቒሉን ቤዛ ኮይኑ ሓቀኛ ፍቕሪ ንደቂ ሰባት ገሊፁ፡፡ ሞት ብምስዓር ንደቂ ሰብ ካብ ዘለኣለማዊ ሓጢያት ናፃ ኣውፂኡ። ንሱ ብዝኸፈሎ መስዋእቲ ንደቂ ሰባት ኩሉ መድሓኒት ኮይኑ፡፡
ስለዝኾነ ሰዓብቲ እምነት ክርስትና እየሱስ ክርስቶስ ደቂ ሰባት ንምድሓን ክብል ዝኸፈሎ መከራን ስቓይን ሕማማትን እናዘከሩ በቢዓመቱ በዓል ትንሳኤ የክብርዎ፡፡።
ኣብ እዋን ፆም ዘርኣናዮ ሰናይ ተግባራት ብምጥንኻር ንዝተፀገሙን ወገናት ብምህሳብን ፍቕሪ ብምሃብ፡ ሰላም ኢትዮጵያን ዘፅንዑ ሓበራውነት ዘጠናኽሩ ንጥፈታት ብምክያድ ከነብዕሎ ይግባእ።
እቲ በዓል ናይ ሰላም ፍቕርን ሓጎስን ዝግለፀሉ ንክኾን እቲ ቤት ምኽሪ ይምነ!
ቤት ምኽሪ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ፤