ኣብ ከባቢ ቤተ መንግስቲ 4 ኪሎ ዘሎ መገዲ ብሓደ ኣንፈት ስለዝተገበረ ኣሽከርከርቲ ጥንቃቄ ንኽገብሩ ፖሊስ ኣተሓሳሲቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ከባቢ ቤተ መንግስቲ 4 ኪሎ ዘሎ መገዲ በዓል ክልተ ኣንፈት ዝነበረ መገዲ ብሓደ ኣንፈት ክኸውን ስለዝተገበረ ኣሽከርከርቲ ብደምቢ ምትሕልላፍ ከይቕፅዑ ጥንቃቄ ንኽገብሩ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣተሓሳሲቡ፡፡

እቲ መገዲ በዓል ሓደ ኣንፈት ክኸውን ከምዝተገበረ ብዘይምፍላጥ ሓደ ሓደ ኣሽከርከርቲ ዝተተኸሉ ምልክታት ትራፊክ መገዲ ብንጥሓስ ንቕፅጫት እናተቓልዑ ከምዝኾኑ ፖሊስ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ፦

  • ካብ ጥይት ቤት መስቀለኛ ክሳብ ትራፊክ መብራህቲ ፓርላማ፣
  • ትራፊክ መብራህቲ ፓርላማ ክሳብ ቅዱስ ገብርኤል (ሳይንስ ሙዚየም) ከምኡ እውን
  • ካብ ቅዱስ ገብርኤል ክሳብ ጥይት ቤት ዘሎ መገዲ ቀዲሙ ዝነበረ በዓል ክልተ ኣንፈት መገዲ ናብ ሓደ ኣንፈት መገዲ ከምዝተቐየረ ኣፍሊጡ፡፡
Comments (0)
Add Comment