ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ከተማ ሆሳእና ሃገራዊ ለውጢ ዝድግፍ ህዝባዊ ሰልፊ ይካየድ ኣሎ፡፡
ኣብቲ ድጋፍ ሰልፊ ነበርቲ ከተማ ሆሳእናን ከባቢኡን÷ መንግስቲ እናወሰዶም ዘለው ናይ ሃገራዊ ለውጢ ስጉምትን ኣንፈታት ልምዓትን ዝድግፍ መልእኽትታት እናመሓላለፉ ይርከቡ፡፡
እቶም ነበርቲ 24 መጋቢት 7ይ ዓመት ሃገራዊ ለውጢ ምኽንያ ብምግባር ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዘለዎም ድጋፍ ኣረጋጊፆም፡፡
ኣብቲ ድጋፍ ሰልፊ ርእሰ ምምሕዳር እንዳሻው ጣሰው (ዶ/ር) ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓታት እቲ ክልል ምስታፎም ኣብ ኮሙኒኬሽን እቲ ክልል ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡