ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ከተማ ጎንደር ኮንፈረንስ ህዝቢ ይካየድ ኣሎ።
ኣብቲ ኮንፈረንስ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሚኒስትር ዋና ተፀዋዒ መንግስቲ ተስፋዬ በልጅጌ (ዶ/ር)፣ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ገንዘብ ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር)ን ተተካኢ ምክትል ከንቲባ ከተማ ጎንደር ቻላቸው ደኘውን ተረኺቦም።
ከምኡወን ኣቦታት ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓዲን ዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰበን ይሳተፉ ከምዘለዉ ኣብ ኮሚኒኬሽን እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።