ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልል ማእኸላይ ኢትዮጵያ ኣብ በጀት ዓመት 2017 ኣብ ዓዉዲ ጥዕና ዝተኻየዱ ስራሕቲታት ዘርእይ ዓዉደ ምርኢት ፎቶ ሎሚ ዕለት ተኸፊቱ፡፡
ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል እንዳሻው ጣሰው (ዶ/ር)ን ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባን ነቲ ዓዉደ ምርኢት መሪቖም ከፊተምዎ፡፡
እቲ መርሃ ግብሪ ብምኽንያት ዓመታዊ ፌስቲቫል ጥዕና ኤክስቴንሽን እቲ ክልል ዝተዳለወ ምኳኑ ተገሊፁ፡፡
ኣብ ክልል ማእኸላይ ኢትዮጵያ ዓመታዊ ፌስቲቫል ጥዕና ኤክስቴንሽን ኣብ ከተማ ሆሳእና እናተኻየደ ከምዝርኸብ ካብ ኮሚዩኒኬሽን እቲ ክልል ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት፡፡