ኣብ ክልል ትግራይ መፍረያይነት ንምድንፋዕ ዘበናዊ ኣሰራርሓ ምኽታል ይግባእ – ሌ/ጄ ታደሰ ወረደ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ዓውዲ ሕርሻ ንምዝማን ንምዝማንን መፍረያይነት ንምድንፋዕን ዘኽእል ዘበናዊ ኣሰራርሓ ምኽታል ይግባእ ክብሉ ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሌ/ጄ ታደሰ ወረደ ገሊፆም፡፡

ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምትሕብባር ኣብ ትልሚ ስትራቴጂክ ትግበራ ብምድሃብ ኣብ መቐለ ዘተ ኣካይዱ።

ሌ/ጄ ታደሰ ወረደ ኣብቲ እዋን ከምዝገለፁዎ÷ ዓውዲ ሕርሻ ንምዝማንን መፍረያይነት ንምድንፋዕን ዘኽእል ስትራቴጂክ ኣሰራርሓ ምኽታል ይግባእ።

ልምዓት ሕርሻ ውፅኢታዊ ንምግባር ብዝነበረ ስትራቴጂን ፖሊሲን ምቕፃል ስለዘይከኣል ሓደሽቲ ቴክኖሎጂታት ብምውሳኽ ዕዉት ንምዃን ምስራሕ ከምዘድሉ ኣገንዚቦም፡፡

ብምዃኑ ድማ ሃፍቲ ተፈጥሮ እቲ ክልል ብምሕካው፣ ዘበናዊ ኣሰራርሓታት ብምኽታልን ዝተዋደዱ ፃዕሪታት ብምውጋን ምልማዕ ከምዝግባእ ምሕባሮም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ኣብዚ ኣድሂቡ ዝተሰናደአ ስትራቴጂክ ኣተገባብራ ውፅኢታዊ ንምግባርን መነባብሮ ማሕበረሰብ ገፀር ንምምሕያሽን ተዋዲድካ ምስራሕ ግእ ከምዝኾነ ብምሕባር÷ መንግስቲ እቲ ክልል ኣድላዪ ሓገዝ ከምዝገብር ኣረጋጊፆም።

ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል እያሱ ኣብረሃ (ዶ/ር) ብግደኦም÷ ትኹረት እቲ ስትራቴጂ ሕርሻ ብምዝማንን መፍረያይነት ምድንፋዕን ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment