ኣብ ክልል ትግራይ ብዝተፈጠረ ሰላም ዝተወገኑ ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን መፍረያይነት የዕበዩ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሚያዝያ፣ 2017(ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ብዝተፈጠረ ሰላም ኣቢሉ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብዝተወገኑ ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን መፍረያይነት ክውስኽ ከምዝገበሩ ኣብ ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ገሊፁ፡፡

ኣብቲ ክልል ኣብ ቀረባ ዓመታት ዝተኻየዱ ዝተዋደዱ ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይን ልሙዕነት ሓመድ ከምዝወሰኹ ተገሊፁ።

እቲ ስራሕቲ ልምዓት ሃፍቲ ማይ ከርሰ ምድሪ ካብ ምውሳኽ ሓሊፉ ብውሕጅ እናተጓሕጎሐ ይውሰድ ዝነበረ ልሙዕ ሓመድ ብምዕቃብ ብማእኸላይ ክሳብ 10 ሚኢታዊ ወሰኽ ምህርቲ ክምዝገብ ኣኽኢሉ።

ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል እያሱ አብርሃ (ዶ/ር) ከምዝገለፁዎ፥ ዝተረኸበ ሰላም ብምጥቃም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝተወገኑ ስራሕቲ ሓለዋ ዕቀባ ሓመድን ማይን መፍረያይነት ንኽውስኽ ገይሮም።

ኣብቲ ክልል ካብ ቀረባ ዓመታት ንደሓር ብዝተወገነ ዝተዋደደ ስራሕ ዕቀባ ሓድን ማይን ልሙዕነት ሓድ ብምውሳኹ መፍረያይነት ዝራእቲ እቲ ክልል ብዝለዓለ ብርኪ ንኽምዝገብ ከምዝገበረ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment