ኣብ ክልል ትግራይ ንልዕሊ 40 ሺሕ ተምሃሮ ሕክምና ዓይኒ ይወሃብ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ንልዕሊ 40 ሺሕ ተምሃሮ ኣገልግሎት ሕክምና ዓይኒ እናተውሃበ ምዃኑ ተገሊፁ።

እቲ ኣገልግሎት ሕክምና ዓይኒ እናተውሃበ ዝርከብ ቢሮታት ጥዕናን ትምህርቲን ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ብምውዳድ “ላይፍ ፎር ዘ ወርልድ” ምስ ዝተብሃለ ቀባሪ ሰናይ ትካል ብምትሕብባር ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

መተሓባሪ “ላይፍ ኦፍ ዘ ወርልድ” ኣይተ በሪሁ ገብረማርያም ከምዝገለፁዎ፤ ኣብ ህፃናት ተምሃሮ ዘጋጥም ሕማም ዓይኒ ንምክልኻል ካብ ምርመራ ክሳብ ሕክምና ኣገልግሎት እናተውሃበ ይርከብ።

እቲ ኣገልግሎት ኣብ ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ዞባ ማእኸል፤ ደቡብ ምብራቕን ከተማ መቐለ ኣብ ትሕቲ ዝርከባ 30 ቀዳማይ ር ኣቢያተ ትምህርቲ ከምዝኾነ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ኣብተን ኣቢያተ ትምህርቲ ንዘምህሩ 200 መምህራን ድማ ኣብ ጥዕና ዓይኒ ክትግብሩዎም ኣብ ዝግብኡ ሜላታት መከላኸሊ ሕማም ዓይኒ ዘድሀበ ስልጠና ክወስዱ ከምዝተገበረ እቶም መተሓባበሪ ተዛሪቦም።

Comments (0)
Add Comment