ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ንዝርከባ ትካላት ጥዕና 120 ኣምቡላንሳት ሓዊሱ ሓገዝ ናውቲ ሕክምና ከምዝተገበረ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ትግራይ ገሊፁ፡፡
ሓላፊ እቲ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ኣይተ ብርሃኑ መኮንን ከምዝገለፁዎ፤ ኣብቲ ክልል ዘሎ ሕፅረት መሰረታዊ ቀረብ መድሓኒት ንምፍታሕን ተበፃሕነት ኣቡላንስ ንምስፋሕን እቲ ማሕበር ምስ መሓዙት ትካላት ብምትሕብባር ሓገዝ ተገይሩ።
120 ኣምቡላንሳት ሓገዝ ምግባሩ ብፍላይ ምስ ወሊድ ተተሓሒዙ ብሃንደበታዊ ሓደጋ ኣብ ልዕሊ ኣዴታትን ህፃናትን ዘጋጥም ሞት ንምንካይ ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ተዛሪበን።
ስርዓትን ኣገልግሎትን ጥዕና እቲ ክልል ንምምሕያሽ ተወሳኺ ስራሕቲ ከምዝሓትት ብምግላፅ፤ ኣብ ከባቢ ገፀር ዝርከብ ማሕበረሰብ ዘሎ ተበፃሕነት መድሓኒትን ኣገልግሎት ኣምቡላንስ ንምዕባይ ብትኹረት እናተሰርሐ ከምዝኾነ እውን ኣመልኪቲ።