ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ክልል ትግራይ ብትሑት እቶት ዝመሓደሩ ዜጋታት ተረባሕቲ ዝገብር ካልኣይ ዙር ፕሮግራም ሴፍቲኔት ልምዓታዊ ከተማ ሎሚ ኣብ ከተማ መቐለ ተጀሚሩ፡፡
መንግስቱ ፌዴራል ዝመደቦ ልዕሊ 670 ሚሊየን ብር በጀት ናብ ተግባር ዝኣተወ እቲ ፕሮግራም ልዕሊ 3 ሺሕን 447 መራሕቲ ስድራ ተረባሕቲ ከምዝገብር ተገሊፁ፡፡
መተሓባበሪ ፕሮግራም ሴፍቲኔት ከተማ መቐለ ኣይተ ተሻለ ብርሃነ ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ÷ ተረባሕቲ እቲ ፕሮግራም ሕድሕዶም ብውሕዱ ኣርባዕተ ቤተሰብ ዘመሓድሩ እዮም፡፡
ካልኣይ ዙር ፕሮግራም ሴፍቲኔት ተረባሕቲ ንሰለስተ ዓመታት ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ብምስታፍ ዘላቒ ፍልፍል እቶት ዝረኽብሉ ኩነታት ስራሕ ንክሰጋገሩ ዝዓለመ ምዃኑ ተዛሪቦም፡፡
ኣብ ፈላማይ ዙር ፕሮግራም ሴፍቲኔት ተረባሕቲ ዝነበሩ 3 ሺሕን 215 መራሕቲ ስድራ ኣብ ቀፃሊ ወርሒ ከምዝምረቑ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡