ኣብ ክልል ኣምሓራ ናይ ወረዳ ማሕበረሰብ ተወከልቲ ኣጀንዳ ምትእኽኻብ ምዕራፍ ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኣብ ክልል ኣምሓራ ናይ ወረዳ ማሕበረሰብ ተወከልቲ ኣጀንዳ ምትእኽኻብ ምዕራፍ ብዓወት ምዝዛሙ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ኮሚሽን ካብ 27 መጋቢት 2017 ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ መዓልቲ እናካየዶ ዝፀንሐ ቀዳማይ ምዕራፍ ከይዲ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ከምዝተዛዘመ ኮሚሽነር መላኩ ወልደማርያም ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ገሊፆም፡፡

ካብ 263 ወረዳት ዝተወከሉ 4 ሺሕን 500 ተወከልቲ ማሕበረሰብ ኣጀንዳ ናይ ምትእኽኻብ ስራሕ ከምዝተወገነ  ብምግላፅ፤ እቲ ከይዲ መሳተፊን መካተቲን፣ ግልፅነት ዝተመልኦን ብናፅነት ዝተኻየደን ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ብመሳፍንት እያዩ

Comments (0)
Add Comment