ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ህዝባዊ ዘተታት ተኻይዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ህዝባዊ ዘተታት ተኻይዶም።

ኣብቶም መድረኻት ዘተ፥ “የጥፋት እጆች እና መዘዞቹ” ዝብል ፊልሚ ቀሪቡ ምስ ተሳተፍቲ ኣብ ዝተገበረ ዘተ እቶም ተሳተፍቲ ንሰላም ዘብዒ ንምዃን ድልዋት ከምዝኾኑ ኣረጋጊፆም።

ካብቲ ፊልሚ ናይ ጥፍኣት መዘዝን ኣድላይነት ሰላምን ከምዝተገንዘቡ ተሳተፍቲ እቲ ዘተ ንኣሚኮ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ ገሊፆም።

ብዙሓት ኣብያተ ትምህርቲን መሰረተ ልምዓታትን ደው ምባሎም ከምዝረኣዩ ሓቢሮም።

ድልየት ህዝቢ እውን ከምዝረኣዩ ብምሕባር፥ እቲ ማሕበረሰብ ሰለም ከምዝደሊን ነዚ እውን ቁርፀኛ ከምዝኾነን ኣረጋጊፆም።

ካብ ወዲ ሰብ ተፅቢት ዘይግበር ዘሰክፍ ተግባራት ተፈፂሞም ብምርኣዮም ምሕዛኖም ብምግላፅ፥ ኲናት ንማንም ስለዘየድሊ ኩሉ ሰብ ሰላም ንምንጋስ ምስራሕ ትፅቢት ከምዝግበረሉ ኣገንዚቦም።

Comments (0)
Add Comment