ኣብ ጃፓን ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ልዕሊ 4 ሺሕ ሰባት ከብ መረበቶም ተመዛቢሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ጃፓን ዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ኣብ ፍርቂ ክፍለ ዘመን ተራእዩ ዘይፈልጥን ንምቑፅፃር ኣፀጋሚ ምኳኑን ተገሊፁ፡፡

እቲ ባርዕ ሓዊ ንምጥፋእ 2 ሺሕ ዝኮኑ ሰራሕተኛታት ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ምድርን ኣየርን ፃዕሪ እናገበሩ እንትኾኑ÷ ንምቁፅፃር ግን ከቢድ ምዃኑ ተሓቢሩ፡፡

ኣብታ ሃገር ኣብ ሰሜን ምብራቕ ዝተለዓለ ባርዕ ሓዊ ክሳብ ሕዚ ሂወት ሓደ ሰብ እንትቐጥፍ÷ ልዕሊ 4 ሺሕ ሰባት ከብ መንበሪ ኣባይቶም ተመዛቢሎም፡፡

በቲ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ 80 ህንፃታት ምዕናዎም ዝተገለፀ እንትኸውን÷ 2 ሺሕን 600 ሄክታር መሬት ዝኸዉን ከባቢ ምዕናዉ ተሓቢሩ፡፡

ኣብ ጃፓን ከም ኣቆፃፅራ ኣዉሮፓዉያን 1975 ሆካይዶ ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ 2 ሺሕን 700 ሄክታር መሬት ብባርዕ ሓዊ ብምዕናዉ ፈላማይ መስካሕኽሒ ባርዕ ሓዊ ምኳኑ ፀብፃብ ፓስፊክ ኤሲያ የመላኽት፡፡

ብኣቤል ንዋይ

Comments (0)
Add Comment