ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ጃፓን ዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ኣብ ፍርቂ ክፍለ ዘመን ተራእዩ ዘይፈልጥን ንምቑፅፃር ኣፀጋሚ ምኳኑን ተገሊፁ፡፡
እቲ ባርዕ ሓዊ ንምጥፋእ 2 ሺሕ ዝኮኑ ሰራሕተኛታት ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ምድርን ኣየርን ፃዕሪ እናገበሩ እንትኾኑ÷ ንምቁፅፃር ግን ከቢድ ምዃኑ ተሓቢሩ፡፡
ኣብታ ሃገር ኣብ ሰሜን ምብራቕ ዝተለዓለ ባርዕ ሓዊ ክሳብ ሕዚ ሂወት ሓደ ሰብ እንትቐጥፍ÷ ልዕሊ 4 ሺሕ ሰባት ከብ መንበሪ ኣባይቶም ተመዛቢሎም፡፡
በቲ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ 80 ህንፃታት ምዕናዎም ዝተገለፀ እንትኸውን÷ 2 ሺሕን 600 ሄክታር መሬት ዝኸዉን ከባቢ ምዕናዉ ተሓቢሩ፡፡
ኣብ ጃፓን ከም ኣቆፃፅራ ኣዉሮፓዉያን 1975 ሆካይዶ ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ 2 ሺሕን 700 ሄክታር መሬት ብባርዕ ሓዊ ብምዕናዉ ፈላማይ መስካሕኽሒ ባርዕ ሓዊ ምኳኑ ፀብፃብ ፓስፊክ ኤሲያ የመላኽት፡፡
ብኣቤል ንዋይ