ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ጃፓን ከተማ ጊፉ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ ፍርቂ ማራቶን ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ዳዊት ወልዴ ተዓዊቱ፡፡
ነቲ ውድድር 1፡00፡06 ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ቀዳማይ ብምውፃእ ዝዛዘመ ኣትሌት ዳዊት ወልዴ፤ ኣብቲ ውድድር እንትሳተፍ ንፈለማ እዋን ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ብደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ድማ ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ጎይተይቶም ገብረስላሴ 1:08:29 ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ካልአይቲ ወፂኣ፡፡