ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ኣሜሪካ ግዝኣት ቴክሳስ ብሕማም ንፍዮ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሪ እናወሰኸ መፂኡ ተባሂሉ፡፡
እቲ ሕማም ኣብ ግዝኣት ምዕራብ ቴክሳስ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ህይወት ሓደ ቆልዓ ምሕላፉ ቢቢሲ ዘዘካኸረ እንትኾን÷ኣብዚ ሕዚ እዋን እውን ሓደ ቆልዓ ብሕማም ንፍዮ ህይወቱ ከምዝሓለፈ ተገሊፁ፡፡
ዲፓርትመንት ግልጋሎት ጥዕና ቴክሳስ ከምዝሓበሮ ኣብ ወርሒ ለካቲት መወዳታ ክታበት ሕማም ንፍዮ ዘይተኸተበ ቆልዓ ሙሟቱ ብምሕባር÷ እዙይ እውን ኣብ ግዝኣት ኣሜሪካ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ዓመታት ስግኣት ሕማም ንፍዮ እንተጋጥም ንፈለማ እዋን እዩ ተባሂሉ፡፡
እቲ ሕማም ስዒቡ ተቓውሞ ዝገጠሞም ሚኒስትር ጥዕና ኣሜሪካ ሮበርት ኤፍ ኬኔዲ ጁኒየር ትማሊ ሰንበት ናብ ቴክሳስ ዑደት ብምግባር ቤተሰብ እቲ መዋቲ ኣፅናዕኒዖም፡፡
መብዛሕቲኡ ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ መከላኸሊ ሕማም ንፍዮ ዘይተኸተቡ ምዃኖም ብምሕባር÷ ምልባዕ ሕማም ንፍዮ ንምክልኻል እቲ ቐንዲ ክታበት ምውሳድ ምዃኑ ኣገንዚቦም፡፡
ኣብ ግዝኣት ደቡብ ኣሜሪካ ኣብዚ ዓመት ልዕሊ 480 ብሕማም ንፍዮ ምትሓዞም ኣብቲ ፀብፃብ ዝተገለፀ እንትኾን÷ እቲ ሕማም ናብ ጎረባብቲ ግዝኣታት እናተስፋሕፈሐ ምዃኑ ቢቢሲ ተገሊፁ፡፡