ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝቕፅሉ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ብሄራዊ ፓርክ ጎቦታት ሰሜን ዝርከቡ ዋልያታት (ኣይቤክስ) ቁፅሮም ናብ 600 ንምዕባይ ዘኽእል ስትራቴጅክ ትልሚ ዕላዊ ኮይኑ፡፡
ኣብቲ ስትራቴጂክ ትልሚ ኣብ ከተማ ጎንደር ኣብ ዝተኻየደ ዘተ፤ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ደኒን እንስሳ ዘገዳምን ኢትዮጵያ ኩመራ ዋቅጅራ ከምዝበሉዎ÷ ኣብ ከባቢታት ብሄራዊ ፓርክ ጎቦታት ሰሜን ብዝካየዱ ዘይሕገዊ ተግባራት ምኽንያት ቁፅሪ ዋልያ (ኣይቤክስ) ናብ 306 ክመወርድ ገይሩዎ፡፡
ነዚ ስዒቡ ድማ ቁፅሪ ዋልያ ኣይቤክስን ንምውሳኽ ዘኽእል ስትራቴጅክ ትልሚ ከምዝተሰናደአ ኣረጋጊፆም፡፡
ሚኒስትር ዴኤታ ቱሪዝም ስለሽ ግርማ ብግደኦም÷ መንግስቲ ቱሪዝም ከም ቀንዲ ዓውዲ ኢኮኖሚ ብምርኣይ እናሰርሐ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ቁፅሪ ዋልያ (ኣይቤክስ) ክብ ንኽብል ትኹረት ምግባሩ ዝበረታታዕ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡
ብበላይነህ ዘላለም