ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣብራሪ ኣውሮፕላን ዝነበሩ ብሪታኒያዊ ጆን ፓዲ ሄሚንግዌይ ኣብ 105 ዓመቶም ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዮም፡፡
ሓይሊ ኣየር ዩናይትድ ኪንግደም ሮያል ከምዝሓበሮ፤ ሄሚንግዌይ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 1940 ብሪታኒያን ካብ መጥቃዕቲ ናዚ ንምክልኻል ብዝተገበረ ኲናት ልዑል ኣስተዋፅኦ ካብ ዘበርከቱ ውሑዳት ኣብራርቲ ሓደ ነይሮም፡፡
ኣብቲ እዋን ካብ ሞንጎ ዝነበሩ ቀዳማይ ሚኒስትር ብሪታኒያ እውን ናእዳ ከምዝተለገሶም ብምዝኽኻር ታይምስ ፀብፂቡ፡፡
ኣብቲ እዋን ካብ ኣውሮላናት ጀርመን ንዝፍኖ መጥቃት ምላሽ ካብ ዝሃቡ መሪሕ ኣብረርቲ ሓደ ከምዝነበሩ እውን ተገሊፁ፡፡