ኣትሌት ደሳለኝ ዳኘውን የግሌ እሸቱን ኣብ 2017 ዓብዪ ጒያ ጅማ ተዓዊቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣትሌት ደሳለኝ ዳኘውን የግሌ እሸቱን ኣብ 2017 ውድድር ዓብዪ ጒያ ጅማ ተዓዊቶም።

ሎሚ ንጎሆ ኣብ ከተማ ጅማ ኣብ ዝተገበረ ውድድር 15 ኪሎ ሜትሮ ደቂ ተባዕቲዮ ኣትሌት ደሳለኝ ዳኘው ቀዳማይ እንትወፅእ፥ ጃፋር ጀማል ካልኣይ፣ ኣብዩት ሞገስ ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድሮም ዛዚሞም።

ብተመሳሳሊ ርሕቐት ብደቂ ኣኒስቲዮ ኣብ ዝተገበረ ውድድር፥ ኣትሌት የግሌ እሸቱ ቀዳመይቲ፣ ሃና ዓለማየሁ ካልአይቲ፣ ኣና ላውልሄር ሳልሰይቲ ደረጃ ብምሓዝ ተዓዊተን።

ሚኒስቴር ቱሪዝም ካብ ዓብዪ ጒያ ኣብ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ዘካየዶ እቲ ውድድር፥ “ኢትዮጵያን ልወቅሽ” ዝብል ስያመ ከምዘለዎ ተገሊፁ።

ኣብቲ ውድድር ብዙሓት ስፖርተኛታት ከምዝተሳተፉ ድማ ተሓቢሩ።

ብዳዊት መሓሪ

Comments (0)
Add Comment