ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ጃማይካ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ውድድር ግራንድ ስላም ትራክ ኣትሌት ድርቤ ወልተጂ ብደቂ ኣኒስቲዮ 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ተዓዊታ።
ኣትሌት ድርቤ ነቲ ርሕቐት 4:04.51 ብዝኾነ ጊዘ ብምምዝዛም ቀዳመይቲ ኮይና።
እታ ኣትሌት ብ800 ሜትሮ ካልአይቲ ዝወፅአትሉ ውፅኢት ተደሚሩ ብሓፈሻ ዝረኸበቶ ነጥቢ 20 ምብፅሓ ኣብ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።