ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝ፥ ኣፍሪካ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ቀዋሚ መቐመጢ ክሳብ እትረክብ ፃዕሪ ምግባሮም ከምዝቕፅሉ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ለካቲት፣2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝ፥ ኣፍሪካ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀፅታ እቲ ሕብረት ቀዋሚ መቐመጢ ክሳብ እትረክብ ፃዕሪ ምግባሮም ከምዝቕፅሉ ገሊፆም።

ይካየድ ኣብ ዘሎ መበል 38 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ መደረ ዘስምዑ እቶም ዋና ፀሓፊ፥ ማሕበረሰብ ዓለም ብባዕዳዊ መግዛእቲን ነግዲ ባሪያን ልዑል በደል ዝበፅሓ ኣህጉር ምዃና ክርስዕ የብሉን ኢሎም።

ስለዝኾነ ግቡእ ካሕሳ ክትረክብ ከምዝግበኣ ኣፅንኦት ብምሃብ ተዛሪቦም።

ኣፍሪካ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ቀዋሚ መቐመጢ ዘይምርካባ ግቡእ ኣይኮነን ብምባል፥ ስለዝኾነ ክሳብ እትረክብ ፃዕሪ ምግባሮም ከምዝቕፅሉ ገሊፆም።

ንሰላምን ፀፅታን ብዝግባእ ምስራሕ ከምዝግባእ ብምግላፅ፥ ኣብ ሱዳንን ዴሞክራቲክ ሪፐብሊክ ጎንጎን ዘሎ ኲናት ሕድሕድ ደው ንክብል ኣተሓሳሲቦም።

ብዝኾነ ይኹን ኩነታት ቀጣናዊ መስሕሓብ ክውገድ ከምዝግባእ እወን ገሊፆም።

ሕቡራት መንግስታት እውን ዘግበር ኩለ መዳይ ደገፍ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፆም።

ገብረ ራዕድነት ኣብ ልዕሊ ኣፍሪካ ዘለዎ ፀቕጢ ብቐሊሉ ክረአ ከምዘይግባእ እቶም ዋና ፀሓፊ ሓቢሮም።

ብሄለን ታደሰን መሳፍንት ብርሌን

Comments (0)
Add Comment