ኣይተ መስፍን ጣሰው ንኣፍሪካ ብኣየር ትራንስፖርት ኣብ ምርኻብ ንዘርአዩዎ ዕዙዝ ኣመራርሓ ተሸሊሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኣህጉር ኣፍሪካ ኩለመዳያዊ ዕቤትን ምዕባለን ዘድህብ “ኣፍሪካ ፕሮስፔሪቲ ዲያሎግ 2025” ኣብ ጋና ኣክራ ተኻዱ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዋና ፈፃሚ ስራሕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣይተ መስፍን ጣሰው ንኣፍሪካ ብኣየር ትራንስፖርትኣብ ምርኻብ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ እናተፃወቶ ንዝርከብ ግደ ንዘርአዩዎ ዕዙዝ ግደ ኣመራርሓ ተሸላሚ ኮይኖም።

እቲ ሽልማት ኣፍሪካ ኣብ ምርኻብ ቆራፅ ኣመራርሓ ንዘበርከቱ ውልቀሰባት ኣፍልጦ ዝወሃበሉ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

Comments (0)
Add Comment