ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣዲስ ኣበባ ማእኸል ኢንዱስትሪ ንምግባር ፈጠራ ምብርትታዕን ኣፍረይቲ ናይ ምድጋፍን ስራሕ እናተኻየደ ይርከብ ክብላ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን፡፡
እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየአን ከምዝበልኦ÷ ብብርኪ ከተማ “ኢትዮጵያ -ኣዲስ ኣበባ ተፍርይ” ኢግዝብሽን ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት 2017 ዓ.ም ሎሚ ኣብ ዓለም ለኸ ማእኸል ኮንቬንሽን ጀሚሩ፡፡
እተን ከንቲባ ኣብቲ እዋን ዓውዲ ኣፍረይቲ ኢንዱስትታት ፈለማ ጠመተ ካብ ዝተውሃቦም ዓውዲታት ኢኮኖሚ እቲ ሓደ ምዃኑ ገሊፀን፡፡
“ከተማ ኣዲስ ኣበባ ማእኸል ኢንዱስትሪ ንምግባር ፈጠራ ንምብርትታዕ ፣ኣፍረይቲ ንምድጋፍ፣ ቀረብ ፋይናንስን መስርሒ ቦታታትን ናይ ምምችቻው ስራሕ እንተካየደ እዩ” ኢለን፡፡
ብተወሳኺ መሰረተ ልምዓት ምምላእ፣ ኣድላዩ ሞያዊ ስልጠናታት ምሃብ ከምኡ እውን ንኣፍረይቲ ድጋፍ ምግባርን ካልኦት ስራሕቲን እናተሰርሑ ምዃኖም ሓቢረን፡፡
ከምኡውን ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ልዕሊ 250 ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ዝተሳተፉሉ ኢግዚብሽን ክጉብንዩ ፃውዒት ኣቕሪበን፡፡
ነበርቲ እታ ከተማ ፍርያት ውሽጢ ዓዲ ብምጥቃም፣ ኣፍረይቲ ውሽጢ ዓዲ ምድጋፍን ፍርያት ውሽጢ ዓዲ ብምግዛእን ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ንኸበረታትዑ ሓቲተን፡፡