ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣዲስ ኣበባ ዝጎደልዋ መሰረተ ልምዓታት ብምምላእ ንነበርታ ምችው ናይ ምግባር ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን፡፡
እተን ከንቲባ ትማሊ ንግልጋሎት ክፍቲ ዝኾነ ፓርክ ቡልቡላን ካብ ቦሌ ካርጎ ክሳብ ድልድል ኣቃቂ 14 ኪሎ ሜትር ዝንውሓቱ ስራሕቲ ሓምለዋይ ልምዓት ብዝምልከት መብርሂ ሂበን።
ናይዚ ኣካል ዝኾነ ፓርክ ቦሌ ቡልቡላ ቦታታት መርዓ፣ መፃወቲ ህፃናት፣ መስርሒ ስፖርት፣ ፋውንቴናትን ካልኦት ሓምለዋይ ቦታታትን ዘጠቓልል ምዃኑ ኣረዲኤን፡፡
እዙይ ድማ ነበርቲ እታ ከተማ ንክዝናነዩን መንፈሶም ክሕድሱን ዘኽእል እዩ ዝበላ ከንቲባ ኣዳነች÷ብፍላይ መንእሰያትን ሰገናትን ኣብ ዘይግቡእ ቦታ ካብ ምውዓል ኣብቲ ፓርክ ውሽጢ ክዝናነዩን መንፈሶም ከሕድሱን ዝገብር ምዃኑ ገሊፀን፡፡
ኣዲስ ኣበባ ንሽማ ዝበቅዕ ውቕብቲ ከተማ ንምግባር ዝካየዱ ዘለዉ መሰረተ ልምዓት ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉን ኣብቲ ከይዲ ዝተሳተፉ ኣካላት እተን ከንቲባ ምስጋና ኣቕሪበን፡፡
ብሚኪያስ አየለ