ኣዳማ ከተማን ወላይታ ድቻን ማዕረ ተፈላልየን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 መጋቢት፣ 2017 ዓ.ም (ኤፍ ቢ ሲ) መበል 24 ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ ፀወታ ኢትዮጵያ መላይታ ድቻን ኣዳማ ከተማን ብዘይምንም ሽቶ ማዕረ ተፈላልየን፡፡

ወላይታ ድቻ በቲ ሊግ ድሕሪ ኣርባዕተ ተከታታሊ ዓወት ማዕረ እንትፈላለያ÷ ኣዳማ ከተማ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕ ፀወታታት ምስዓር ኣይከኣለትን፡፡

እቲ ውፅኢት ስዒቡ ወላይታ ድቻ ብ 37 ነጥቢ ኣብ 2ይ ብርኪ እንትትስራዕ÷ ኣዳማ ከተማ ድማ ኣብ 21 ነጥቢ ኣብ 15 ብርኪ ትርከብ፡፡

ፀወታ እቲ ሊግ እንትቕፅል ሎሚ ሰዓት 9 ሀድያ ሆሳእና ምስ ድሬዳዋ ከተማ ከምኡውን ምሸት ሰዓት 12 መቻል ምስ መቐለ 70 እንደርታ ክፃወታ እየን፡፡

Comments (0)
Add Comment