እስራኤል ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምሕዝነት ከምተጠናኽር ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር ምስ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ እስራኤል ኣሚን ኦሃና ተዛትዮም፡፡

እቲ ዘተ ኣብ ኡዝቤኪስታን እናተኻየደ ዝርከብ መበል 150 መድረኽ ሕብረት ኢንተር ፓርላሜንታሪ ጎና ጎኒ እዩ ተኻይዱ፡፡

ኣቲ ዘተ ኢትዮጵያን እስራኤልን ዘለዎን ርክብ ንምጥንኻር ኣብ ዝኽኣሉሎም ጉዳያት ዘትዮም፡፡

ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር÷ ኢትዮጵያን እስራኤልን ንዘመናት ዝተሳገረ ሰናይ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ከምዘለዎ ብምሕባር፤ ኣብ ዓውዲ ንግዲ፣ ኢንቨስትመንትን ቱሪዝምን ርክበን ኣጠናኺረን ክቕፅላ ከምዘለወን ተዛሪቦም፡፡

ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ እስራኤል ኣሚን ኦሃና ብግዲኦም÷ እስራኤልን ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ታሪካዊ ርክብ ኣጠናኺራ ከምትቕፅል ኣረጋጊፆም፡፡

 

 

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment