ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈርያት ካሚል ኣብ ቀረባ እዋን ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ቬይትናም ዝገበሮ ዑደት ብዝምልከት መብርሂ ሂበን።
ኣብ መብርሂአን ቬይትናም ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ኢኮኖሚ ስራሕቲ ሪፎርም ብምክያዳ ካብ ቅልውላው ብቕልጡፍ ክትወፅእ ዝተኽኣለሉ ኩነታት ኣረዲአን፡፡
ተወዳዳሪ ኢኮኖሚ ንምህናፅ ዝተዋህቦ ልእኽቶ ኣብ ስራሕ ልምዓት ዓቕሚ ሰብ ምስርሑ ብምግላፅ÷ ኣብቲ ዓውዲ ቁልፊ ለውጢ ብምግባር ኣብ ዓውዲ ትምህርትን ስልጠናን ናይ ነዊሕ እዋን ፍኖተ-ካርታ ተነዲፉ ብዙሓት ስራሕቲ ምስርሖም ገሊፀን፡፡
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዓውዲ ብዙሓት ምንቅስቓሳት ምጅማሮም ብምርዳእ÷ እቲ ዓውዲ ብዝበለፀ ንምዕባይ ናይ ትምህርትን ስልጠናን ስምምዕነት ምስ ቬይትናም ምፍራሙ ኣፍሊጠን፡፡
ብዮናስ ጌትነት