ካብ ማእኸላይ ኮሚቴ ብሄራዊ ግንባር ናፅነት ኦጋዴን (ONLF) ዝተውሃበ መግለፂ

ብሽም ብሄራዊ ናፅነት ግንባር ኦጋዴን (ኦብነግ) “መንግስቲ ኢትዮጵያ ስምምዕነት ሰላም ጥሒሱ” ብዝብል ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ዝሃቦ መግለፂ÷ ካብ ኦብነግ ኣፍልጦ ወፃኢ ምኳኑ እናገለፅና፤ እቲ መግለፂ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2018 ኦብነግ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣስመራ ዝኣተዎ ስምምዕነት ሰላም ዝጥሓሰን ኦብነግ ዘይዉክልን ምኳኑ ብዕቱብ ንገልፅ፡፡
ስምምዕነት ሰላም ኣስመራ ስዒቡ ኣብ ክልል ሶማሌ ዝተፈጠረ ሰላምን ልምዓትን ፅቡቕ ጅማሮ ምኳኑን ናይ ህዝብና ልምዓት፣ ፖለቲካን ኢኮኖሚያዊን ሕቶ መልሲ ዝረኸበ እንትከውን፤ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ በቲ ትካል ሽም ዝወፀ መግለፂ ኣብ ጅማሮ ዘሎ ልምዓት ኣፍልጦ ዘይህብ ዘሕዝን እዩ፡፡
ብምኳኑ በዚ ጉዳይ ኣብነግ ዝስዕቡ ሰለስተ ነጥቢታት መግለፂ ቅዋም ከሕልፍ ይደሊ፦
1.ኣብ ከተማ ናይሮቢ “ብሽም ኦብነግ ዝወፀ መግለፂ ካብቲ ኣባላት ኮሚቴ እቲ ትካል፣ ፈፃሚ ስራሕን ኣቦ ወንበርን ኦብነግ አብዱልከሪም ሼህ ሙሴ ኣፍልጦ ወፃኢ ብዝተወሰኑ ድልየት ዉልቀ ሰባት ዝወፅአ ብምኳኑ ነቲ ትካል ዝዉክል ኣይኮነን፡፡
2. ብሄራዊ ግንባር ናፅነት ኦጋዴን (ኦብነግ) ስምምዕነት ሰላም ኣስመራ ከምዝድግፍን ዝተጀመሩ ሰላማዊን ፖለቲካዊን ቃልሲ ኣጠናኺሩ ብምቕፃል እቲ ስምምዕነት ብዝተመሓየሸ መልክዑ ተግባራዊ ዝገብር እንትከዉን÷ ክሳብ ሕዚ መንግስቲ ፌዴራልን መንግስቲ ክልል ሶማሌን ስምምዕነት ኣስመራ ተግባራዊ ንክኸዉን ዘኻየድዎ ግደ ዕዙዝ ብምዃኑ ኣፍልጦ ንህብ፡፡
3. ብሄራዊ ግንባር ናፅነት ኦጋዴን (ኦብነግ) ደምቢ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣቢሉ ኣብ ቀረባ እዋን ጉባኤ ዘካይድ እንትኸውን፣ ኣብቲ ጉባኤ ሰላማዊ ቃልሱ ዘጠናኽሩ ውሳነታትን ኣንፈታትን ኣቐሚጡ።
ኣብ መወዳታ ኣብ ጉዳይ ኦብነግ ጠሚቱ ዝተወሰኑ ዉልቀ ሰባት ዝህብዎም ግጉይ መግለፂታት ኣብ ልዕሊ ሕብረተሰብ ምድንጋር ስለዝፈጥር÷ እቶም ዉልቀ ሰባት ካብ ተግባሮም ክቑጠቡ ነተሓሳስብ፡፡
ዘልኣለማዊ ክብሪ ንሰማእታትና !!
ማእኸላይ ኮሚቴ ኦብነግ
ጅግጅጋ
Comments (0)
Add Comment