ካብ ዓውዲ ሆርቲካልቸር 366 ሚሊየን ዶላር ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ሸሞንተ ኣዋረሕ ካብ ዓውዲ ሆርቲካልቸር 366 ሚሊየን ዶላር ከምዝተረኸበ ሚኒስትር ገብርና ግርማ ኣመንቴ(ዶ/ር) ገሊፆም።

“ሆርቲካልቸር ንዘላቒ ሃገራዊ ሸቶ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዓለም ለኸ ኤግዚብሽን ሆርቲካልቸር ኣብ ኣዳራሽ ሚሌኒየም ይሳለጥ ኣሎ።

እቶም ሚኒስትር፥ ከም ሃገር ኣብቲ ዓውዲ ገዚፍ ዓቕሚ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

እዚ ዓቕሚ ኣብ ረብሓ ንምውዓል መንግስቲ ፍሉይ ቆላሕታ ብምሃብ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊፆም።

መንግስቲ ዓውዲ ሆርቲካልቸር ምስ ዘንቀሳቕሱ ኣካላት ፅኑዕ ዝምድና ስራሕ ከምዘለዎ ብምግላፅ፥ ኣብ ቀፃሊ ዝተፈላለዩ ደገፋት ብምግባር እቲ ዓውዲ ካብዚ ንላዕሊ ናይ ምዕባይ ስራሕ ከምዝስራሕ ኣረጋጊፆም።

ብኣሸብር ካሳሁን

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment