ካብ ዝኾነ ይኹን ኣንፈት ዝነፃፀር መጥቃዕቲ ምምካት ዘኽእል ዘተኣማምን ቁመና ሃኒፅና ኢና – ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሰራዊት ኣብ ልዕሊ ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ካብ ዝኾነ ይኹን ኣንፈት ዝነፃፀር መጥቃዕቲ ምምካት ዘኽእል ዘተኣማምን ቁመና ምህናፁ ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ገሊፆም።
መበል 129 በዓል ዓወት ዐድዋ፥ “ዓድዋ ዓወት ፀለምቲ ህዝብታት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ይኽበር ኣሎ።
ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብቲ በዓል ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ካብ ዓወት ዓድዋ እንመሃሮ ንብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ዘብዒ ምዃን ኢዩ ኢሎም።
ካብ ጀጋኑ ዓድዋ ዝወረሶ ክብሪ ዓወት፥ ጀግና ሰራዊት ምክልኻል ዝኾነ ይኹን መጥቃዕቲ ምምካት ዘኽእል ዘተኣማምን ቁመና ከምዝሃነፀ ተዛሪቦም።
ዓድዋ ኢትዮጵያዊያን ሃገሮም ብባዕዳዊ መግዛእቲ ብሓይሊ ንምግዛእ ዝመፅአ ሓይሊ ብምስዓር ናይ ፀለምቲ ህዝብታት ምፍፃም ዓወት ንዓለም ዘቃለሐን ዕላማ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝሰበረን ከምዝኾነ ገሊፆም።
ትማሊ፣ ሎሚ፣ ንቐፃሊ ኢትዮጵያ ንፀላእታ እናንበርከኸት ሉእላዊመታ ኣኽቢራ እትቕፅል ሃገር ከምዝኾነት ፀላኢ ይኹን ፈታዊ ክግንዘብ ኣለዎ ኢሎም።
ንሕና ደቂ ዓድዋ በቲ ዓወት ምኹራዕ ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ኣባሕጎታትና ኣይሰዓርን በሃላይነትን መንፈስ ተግባርነት ዓወትን ብምውራስ ሉእላውነትን ሰላምን ሃገር ክንቅፅል ኣለና ክብሉ ገሊፆም።
ኣብ ዘለናሉ ዘበን ካብ ታሪካዊ ፀላእትና ልኡኽ ብምቕባል ረብሓ ሃገር ንምጉዳእ ምስ ፀላኢ ንምስላፍ ዝፍትኑ ባንዳታት ከምዘለዉ እውን ገሊፆም።
ንኢትዮጵያ ዝኾነ ይኹን ፀላኢ ኣንበርኪኹዋ ኣይፈልጥን ብምባል፥ ዝኾነ ብዘጋጠመ ቁፅሪ ኢትዮጵያ ክትዳኸም ኢያ ኢሎም ዝሓስቡ ባንዳታት ንፀላኢ ኢድ ንምንሳእ ክብሮም ክሸጡ ኣይብሎምን ኢሎም።
ኢትዮጵያን ክብሪን መንፈስ ጅግንነትን ጀጋኑ ዓድዋ ዝወረሰ ጅግና ሰራዊት ምክልኻል ክሕልዋ ኢዩ ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።
እቲ ሰራዊት ውሽጣዊ ሓድነቱ ዝጠንከረ፣ ስምዒት ፍቕሪ ሃገሩ ኣዝዩ ልዕል ዝበለ፣ ወተሃደራዊ ብቕዓቱ ዝማዕበለ ወንኡ ዝረሰነ ከምዝኾነ ገሊፆም።
እንዳለዎ ኣብ ልዕሊ ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ንዘነፃፅሩ መጥቃዕቲታት ብብቕዓት ንምምካት ኢዩ ክብሉ ምዝራቦም ግዜኢ ፀብፂቡ።
ነዚ ድማ፥ ሓይሊ ኣየር፣ ሓይሊ ባሕሪ፣ ሓይሊ ምድሪን ሓይሊ ሳይበርን ካብ ዝኾነ ይኹን ኣንፈት ንዝመፅእ ፀላኢ ዘይኽበስ ኮይኑ ተሃኒፁ ኢዩ ኢሎም።
ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment