ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል 12 ዓመት ክብረ በዓል ሽመት ፓትሪያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ኣብ መንበረ ፀባኦት ቤተክርስትያን ቅድስት ሥላሴ ካቴድራል እናተኸበረ ይርከብ፡፡
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ብፁኣን ጳጳሳት ፣ ኣመራርሓ መንግስቲ፣ ኣምባሳደራት ከምኡ እዉን ሊቃዉንቲ ገዳማትን ኣድባራትን ምእመናንን ተረኺቦም፡፡
ብሰማሀኝ ንጋቱ