ክፍሊት  ዲጂታል ጥዕና ንምጅማር ምስ ዝተመረፁ ትካላት ስምምዕነት ተኸቲሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ሚኒስቴር ጥዕና ክፍሊት ዲጂታል ጥዕና ንምጅማር ምስ ዝተመረፁ ትካላት ፋይናንስ ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪሙ፡፡

ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቕደስ ዳባ÷ ክፍሊት  ዲጂታል ስርዓት ጥዕና ኣብ መልላእ እታ ሃገር ንምጅማር ተዋዲዱን ጠመተ ተዋሂቡን ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፀን።

ብዲጂታል ዝተሓገዙ ምዕቡላት ኣሰራርሓታት ብምዝርጋሕ ግልጋሎት ኣዋሃህባ ጥዕና ዜጋታት፣ ስሉጥን ተበፃሒን ንምዃን ከምዝሰርሕ ሓቢረን፡፡

ብመሰረት እዚ ኩሎም ትካላት ጥዕናን ተፀዋዕቲ ትካላት እቲ ሚኒስቴርን ኣወሃህባ ግልጋሎት ብዲጂታል ዝተሓገዘ ንክኸዉን ምድላዉ ይካየድ ከምዘሎ ገሊፀን፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ድሬዳዋን ናብ ስራሕ ንምእታዉ ምድላዋት ምዝዘሙ እውን ተዛሪበን፡፡

ኣብቲ ዓዉዲ ዝሰርሑ መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ትካላት ፋይናንስ፥ ግልጋሎት ክፍሊት ስርዓት ጥዕና ናብ ዲጂታል ንምቕያር ዝግበር ከይዲ ብምትሕብባር ንምስራሕ ከምዝተስማዕምዑ ሓቢረን፡፡

ብምንተስኖት ሙሉጌታ

Comments (0)
Add Comment