ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብዋና ሓላፊ ሓበሬታ ምክልኻል ናይጄሪያ ፓርከር ኣንዳያዳይ ዝተመርሐ ወታደራዊ ልኡኽ ኣብ ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ዑደት ገይሩ።
ኣብቲ እዋን ዑደት ድማ ምክትል ዋና ዳይሬክተር እቲ ኢንስቲትዩት ታዬ ግርማ (ዶ/ር) ነቲ ጉጅለ ልኡኽ ገለፃ ገይሮም።
ኣብ ገለፃኦም ድማ እቲ ኢንስቲትዩት “ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ንኹሉ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ካብ ዝሰርሖም ስራሕቲ ብተወሳኺ ሃገራት ኣፍሪካ ትካል ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ንኸጣይሻ መበገሲ ክኸውን ከምዝኸኣለ ተዛሪቦም፡፡
እቶም ዑደተኛታት ብግደኦም፤ እቲ ኢንስቲትዩት ካብ ኣህጉር ኣፍሪካ ሓሊፉ ብብርኪ ዓለም ተወዳዳሪ ንምዃን ዘኽእል ዓብዪ ዳታ ሴንተር ምህናፁ ንኢዶም።
ኣብ ልምዓት ሓይሊ ሰብ እናሰርሖ ዝርከብ ስራሕ እውን ዘኹርዕ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ እዚ ድማ ንሃገራት ኣፍሪካ ኣርኣያ ከምዝገብሮ ሓሬታ እቲ ኢንስቲትዩት የመላኽት፡፡