ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ደረጃ ኣቢያተ ትምህርቲ ብምምሕያሽን ዓቕሚ መምህራን ብምህናፅን ፅሬት ትምህርቲ ንምርግጋፅ ዘኽእል ምንቅስቓስ እናገበረት ምዃና ሚኒስትር ትምህርቲ ብርሀኑ ነጋ (ፕ/ር) ገሊፆም።
ሚኒስቴር ትምህርቲ፣ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ምስ ብሬይን ኣፍሪካ ብምትግብባር ዘሰናድኡዎ ‘ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘበን ንኣፍሪካ ምምሃርን ምብቃዕን’ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ንሰለስተ መዓልቲ ዝተኻየደ ጉባኤ ኢኖቬሽን ኣፍሪካ 2025 ሎሚ መዓልቲ ተዛዚሙ።
ኣብቲ ኣህጉራዊ ጉባኤ ኣፍሪካውያን ኣብ ዓውዲታት ትምህርቲ፣ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን፣ ፈጠራ ስራሕን ሪፎርም ስታርት ኣፕን፣ ህንፀት ዓቕሚን ስትራቴጂካዊ ምትሕብባርን ምፍጣር ኣብ ዝኸሉሎም ጉዳያት ዘተ ተገይሩ።
ሚኒስትር ትምህርቲ ብርሀኑ ነጋ (ፕ/ር) ኣብቲ መዛዘሚ መርሃ ግብሪ፤ እቲ ጉባኤ ፅሬት ትምህርቲ ንምምሕያሽ ኣብ መሰረተ ልምዓትን ህንፀት ዓቕሚ መምህራንን ሃናፂ ዘተ ዝተገበረሉ ከምዝኾነ ገሊፆም።
ኣብ ኣፍሪካ ዘላቒን ፅሬት ዘለዎ ስራዕት ትምህርቲ ህፃናት ንምህናፅ ኣብ ዲጂታል ቴክኖሎጂ ናይ ሓፂርን ነዊሕን ትልሚ ክህሉ ከምዝግባእ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።
ትምህርቲ ናይ ኩሉ ነገር ቁልፊ ብምዃኑ ኣብ ስሩዕ ትምህርቲ ፅሬትን ተበፃሕነትን ብትኹት ምስራሕ ከምዝግባእ ብምግላፅ፤ ኢትዮጵያ ፅሬት ትምህርቲ ንምምሕያሽ ኣብ መሰረተ ልምዓት ትምህርቲን ህንፀት ዓቕሚ መምህራንን ጭቡጥ ስራሕ ከምዝጀመረተ ኣብሪሆም።