ዓወት ዓድዋ ኣፍሪካ ባህጋ ባዕላ ክትውስን ከምእትኽእል ዘረጋገፀ ኢዩ- ሙሳ ፋቂ ማህማት

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ዓወት ዓድዋ ኣፍሪካ ባህጋ ባዕላ ክትውስን ከምእትኽእል ዘረጋገፀ ኢዩ ክብሉ ነበር ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋቂ ማህማት ገሊፆም።
መበል 129 በዓል ዓወት ዐድዋ፥ “ዓድዋ ዓወት ፀለምቲ ህዝብታት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ይኽበር ኣሎ።
ሙሳ ፋቂ ማህማት ኣብቲ በዓል ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ዓወት ዓድዋ ኩይናት ናይ ምስዓር ታሪክ ጥራሕ ኣይኮነን ኢሎም።
ዓወት ዓድዋ ንመልላእ ፀለምቲ ህዝብታት ይከኣል ኢዩ ዝብል ኣተሓሳስባ ዘስረፀ፣ ብሓድነትን ምትሕብባርን መፃኢ ዕድል ኣፍሪካ ዝሓሸ ምግባር ከምዝከኣል ዘርኣየ ከምዝኾነ ገሊፆም።
ኣፍሪካ ንዘጋጠማ በደል ካሕሳ እትሓተሉ ዓመት ከምዝኾነ ብምዝኽኻር፥ እቲ በዓል ልዑል ምልዕዓል ዝፈጥር ኢዩ ኢሎም።
ኣፍሪካዊያን እንተተሓባቢሮምን ብሓባር ደው እንተኢሎምን ዘይዕወቱ ዓወታት ከምዘየለዉ ገሊፆም።
ኢትዮጵያ መርኣያ ነፃነትን መርኣያ ኣፍሪካዊያንን ከምዝኾነት ኣብ ቀረባ እዋን ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዝረኣዩ ዘለዉ ስራሕቲ ልምዓት ምስክር ከምዝኾኑ ኣብሪሆም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።
Comments (0)
Add Comment