ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልል ኦሮሚያ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ ኣማራፂ ሰላም ተቐቢሎም ነዝኣተዉ ዕጡቓት ኣባ ገዳታት ምስጋና ኣቕሪቦም።
ኣብቲ ክልል ዝንቀሳቐሱ ንዝነበሩን ኣመራፂ ሰላም ንዝተቐበሉን ዕጡቓት ኣፍልጦን ምስጋናን ዘቕርብ መርሃ ግብሪ ተኻይዱ።
ኣብቲ ስነ-ስርዓት ዝተረኸቡ ኣባ ገዳታት ከምዝገለፁዎ፤ ዕጡት ንዝወሰኑዎ ትኽክለኛ ውሳነን ንዝተኸተሉዎ መገዲ ሰላምን ምስጋና ይግበኦም።
ሰላም ንምፅናዕን ኣፈላላይ ሓሳብ ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕን ኣማራፂ ሰላም ዝተቐበሉ ዕጡቓት ስልጠና ተሃድሶ እናወሰዱ ፀኒሖም።
ምስ መንግስቲ እቲ ክልል ስምምዕነት ሰላም ዝፈፀሙ ኣመራርሓ ናፅነት ሰራዊት ኦሮሞ ኣይተ ሰኚ ነጋሳ፤ ዕጡቓት ብስልጠና ዝረኸቡዎ ፍልጠትን ግንዛበን ናብ ተግባር ብምልዋጥ ንዘላቒ ሰላም ብፅሒቶም ንኽዋፅኡ ከምዘገንዘቡ ካብ ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ኦሮሚያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡