ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብ ኣብ ኣዲስ ኢንተርናሽናል ኮንቬንሽን ማእኸል ዑደት ኣሳሊጦም።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዑደት፥ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ኣባገዳታት፣ ሃዴ ሲንቄታትን ነበርቲን ምስታፎም ኣብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ተሳተፍቲ እቲ ዑደት መንግስቲ ተመሳሳሊ ኩለ መዳይ ረብሓ ዘለዎም መሰረተ ልምዓታት ይሃንፅ ምህላዉ ታሕጓስ ከምዝፈጠረሎም ገሊፆም።
እቲ ማእኸል ፍሰት ቱሪዘም ብምስላጥ ኣታዊ ኢትዮጵያ ክብ ምባል ከምዝኽአል ተዛሪቦም።