ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ዝተፈላለያ ሃገራት መበል 129 በዓል ዓወት ዓድዋ ምኽኒያት ብምግባር ንኢትዮጵያዊያን ናይ እንቋዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፈን።
ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ፥ ዓወት ዓድዋ ፀንዓት፣ ሓድነትን ብሄራዊ ኩርዓትን ዝገልፅ ኢዩ ኢሉ።
ኤምባሲ ሩሲያ ኣብ ኢትዮጵያ ንኢትዮጵያዊያን ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፥ ንኢትዮጵያ ምዕባለን ስምረትን ተመኒዩ።
ኤምባሲ እስራኤል ኣብ ኢትዮጵያ ብግድኡ፥ ዓወት ዓድዋ ንኢትዮጵያዊያን ምልክት ፅንዓትን ሓድነትን ከምዝኾነ ገሊፁ።
ኢትዮጵያዊያን ሓድነቶም ዘጠናኽርሉ ንክኸውን ተመኒዩ።
ብተመሳሳሊ ኤምባሲ ካናዳ ኣብ ኢትዮጵያ÷ ንኢትዮጵያዊያን ናብ ዓወት ዘብፀሖም ጅግንነት፣ ሓድነትን ፅንዓትን ክብሪ ንህብ ኢሉ።
ብተወሳኺ ኤምባሲ እንግሊዝ፣ ጀርመን፣ ኩባ፣ ስሪላንካን ካልኦት ብዙሓት ኤምባሲታትን መበል 129 በዓል ዓወት ዓድዋ ምኽኒያት ብምግባር ናይ እንቋዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፈን።
መበል 129 በዓል ዓወት ዓድዋ፥ “ዓድዋ ዓወት ፀለምቲ ህዝብታት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ብምቀት ይኽበር ኣልሎ።