ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢን ተፀዋዕቲ ትካላትን ኣብ 2017 በጀት ዓመት ናይ ትሽዓተ ኣዋርሕ ሃገራዊ ኣፈፃፅማ ትልሚ ፀብፃብ ቀሪቡ ዘተ ተካይዱ፡፡
ኣብቲ መድረኽ ፀብፃብ ዘቕረቡ ዋና ዳይሬክተር ግልጋሎት ዲያስፖራ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ፍፁም ኣሰፋ÷ ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ዝተራእየ ኣፈፃፅማ ማክሮ ኢኮኖሚ ኣፍራይነትን ተወዳዳርነትን ምዕባይ ዘኽኣለ ምዃኑ ገሊፁ።
ኣብ ዓውዲ ዲፕሎማሲ ክልተኣዊ ዝምድና ንምጥንኻርን ኢትዮጵያ ኣብ ብዙሕነታዊ መድረኻት ዘለዋ ተሳትፎ ንምዕባይን ረብሓኣ ንምሕላውን ዕውት ስራሕ ከምዝተሰርሐ ኣረዲኦም።
ኣብ ትሽዓተ ኣዋርሕ ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ናብ ኢትዮጵያውያን ብዝተልኣኸ ገንዘብ ልዕሊ 3 ነጥቢ 6 ቢልዮን ዶላር ናብ ውሽጢ ዓዲ ምልኣኹን ምስ ዝሓለፈ ተመሳሰሊ ዓመት እንትነፃፀር 12 ሚኢታዊ ዕብየት ከምዘለዎ ሓቢሮም፡፡
ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ሚኒስትር መስኖን ከባቢታት ቆላን ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር)÷ ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ዓመታት ዝተተግበሩ ኩለመዳያዊ ስራሕቲ ሪፎርም ማሕንቆ ንምፍታሕን ልኡላውነታ ከተረጋግፅን ዘኽአለ ምዃኑ ተዛሪቦም ክብል ኣብ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድ ፡፡